ግብጻዊት መንእሰይ ተመሃሪት ማያር ዑስማን (Mayar Othman)፡ ኣብ ዱባይ ኣብ ዝተኻየደ መበል 10 ሕታም ውድድር ንባብ ዓረብ (Arab Reading Challenge) ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ።
ንሳ ካብ 60 ሃገራት ምስ ዝተዋጽኡ ልዕሊ 40 ሚልዮን ተመሃሮ ተወዳዲራ፡ ብገዛኢ ዱባይ ሼኽ መሓመድ ቢን ራሺድ ኣል ማክቱም ዋንጫን 500,000 ድርሃም ኢማራትን (AED 500,000) ተሸሊማ።

እዚ ዓወታ ኣብ ዓዳ ግብጺ ብዓቢ ሓጎስ ተኸቢሩ፤ ኣብ መዓርፎ ነፈርትን ኣብ ዝዓበየትሉ ከተማን ድማ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ።
ንባብ፡ ተወፋይነትን ንትምህርቲ ዘሎካ ፍቕርን ናብ ዘይእመን ዕድላት ማዕጾ ከም ዝኸፍት ዘዘኻኽር ዘደንቕ ታሪኽ እዩ። ❤️
ከምዚ ናይ ማያር ዝኣመሰሉ ዓወታት ንዝያዳ ቆልዑ ልምዲ ንባብ ከማዕብሉ ከተባብዑ ይኽእሉ እዮም። “ ዘንብብ ይዕንብብ” ምባል ጥራይ ኡኹል ኣይኮነን ንንፉዕ ኣንባቢ ምትብባዕ እዉን ናይ ምንባብ ልምዲ ንብዙሓት ሰባት ከስርጽ ይኽእል እዩ።
ማያር ጌና ጓል 11 ዓመት ከላ ጥራይ ነዚ ዓቢ ክብሪ እሞ ድማ ኣብዚ ዘመነ ቲክቶክን ጌማትን ቖልዑ መላእ ዓለም ምስ ሞባይል ተተኺሎምሉ ኣብ ዝዉዐሉሉ ዘለዉ ዘመን ዓወታ ብሓቂ የቅንእ እዩ። ተስፋ ይገብር ኩሉኹም ወለድቲ ብዓወት ማያር ቀኒእኩም ንደቁኹም ካብ ምስ ተሌፎን ምስ መጻሕፍቲ ከተዉዕልወን።
Asmerom Ghebrehiwet (Feqar)






