ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊን ዲፕሎማስያዊን ወጥሪ እናተጋደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ሎሚ ቀዳም ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ንሓንቲ ኤም-ኪው ናይን ሪፐር (MQ-9 Reaper) ዝዓይነታ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ኣመሪካ ምውዳቑ ከም ዘፍለጠ፡ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ሓቢሩ።
መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ኢራን ከም ዝጸብጸቦ፡ እታ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ብሓድሽ ዝተዋፈረ ስርዓት ምክልኻል ኣየር ኢራን ተሃሪማ እያ ወዲቓ።
እዚ ፍጻመ፡ ሓይልታት ኢራን ክሳዕ ሕጂ ዘውደቕወን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣመሪካ ናብ 58 ክብ ክብል ክምዝገበሮ እቲ ሰራዊት ገሊጹ።
ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣመሪካ ኣብቲ ምስ ኢራን እተካይዶ ዘላ ውግእ ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ዶላር ዝግመታ 45 ድሮናት ከም ዝኸሰረት ሓቢሩ ነይሩ እዩ።
እዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ ዝፍጸም ዘሎ፡ ካብ ወርሒ ለካቲት ኣትሒዙ ብኣመሪካን እስራኤልን ዝተጀመረ ኩናት ህይወት ኣሽሓት ሰባት ቀዚፉ፡ ዋጋ ነዳዲ ዓለም ክንህር ብምግባር፡ መስመር መጓዓዝያ ባሕሪ ኣብ ዘተዓናቐፈሉን እዋን እዩ።
ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ፡ ነቲ ኩናት ደው ንምባል ዝግበር ጻዕርታት ኣብ ዕጹው ማዕጾ በጺሑ ይርከብ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ትማሊ ዓርቢ ምስ መራኸቢ ብዙሓን ሃገሩ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ኢራን ኣብ ወርሒ መስከረም ዘቕረበቶም ሸውዓተ ቅድመ-ኩነታት እንተዘይተማሊኦም መጻብቦ ሆርሙዝ ከም ዘይክፈት ኣጠንቂቑ።
ካብቶም ቅድመ-ኩነታት፡ ምቁራጽ ኩናት፥ ምልዓል እገዳታት ከምኡ’ውን ኣብ ደቡባዊ ወደባት ኢራን ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋ ባሕሪ ምልዓል ይርከብዎም።
ኣራግቺ ወሲኹ፡ ኢራን ነቲ 60 ሚእታዊት ዝተጻረየ ዩራንየም ናብ ወጻኢ ሃገር ከም ዘይትልእኽ ኣረጋጊጹ።
ብወገን ኣመሪካ ድማ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ቴህራን ስምምዕ ክትገብር ትደሊ እኳ እንተኾነት፡ እቲ ንሳ እተቕርቦ ሓሳብ ግን ንኣመሪካ ተቐባልነት የብሉን ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ክፍሊ ግምጃ ቤት ኣመሪካ፡ ነዳዲ ኢራን ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምሻጥ እገዳታት ኣመሪካ ክጥሕሱ ሓጊዞም ዝበሎም ኣርባዕተ ኢራናውያን ውልቀ-ሰባት ሓድሽ እገዳ ከም ዝነበረሎም ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብ ውሽጢ ኣመሪካ’ውን እንተኾነ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ሪፓብሊካውያን ድሕሪ ዘጋጠሞም ስዕረት፡ ገለ ዲሞክራስያውያን ኣባላት ባይቶ ንወተሃደራዊ ስርሒታት ኢራን ዝውዕል ባጀት ደው ክብል ጻውዒት የቕርቡ ምህላዎም ጸብጻባት የመልክቱ።






