ምክትል ፕረዚደንት ኢራን ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ስድራቤትን ዛህራ በህሩዝ-ኣዛር፡ ኣብቲ ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ኢራን ዘካየድኦ ኲናት፡ 623 ቆልዑ ከም ዝተቐትሉን ብዙሓት ካልኦት ከቢድ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከም ዝወረዶምን ገሊጻ።

እታ ላዕለዋይቲ ሰበ-ስልጣን፡ እቶም ግዳያት ኣብ ደቡባዊት ከተማ ሚናብ ኣብ ዝርከባ ክልተ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝተቐትሉ ተማሃሮ ከም ዝርከብዎም ኣብ ዝተገብረ ዝኽሪ መዓልቲ ቆልዑ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።

ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ካብቶም ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተረፉ ቆልዑ፡ ምቑራጽ ኣካላት፥ ስብራት ኣዕጽምቲን ከቢድ ምቃጽልን ዝኣመሰለ መጉዳእቲ ከም ዝወረዶም ይግለጽ።