ሰራዊት ኡጋንዳ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ካብ ምብራቓዊ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እትርከብ ኣገዳሲት ከተማ ሉቤሮ ሰራዊቱ ከውጽእ ምዃኑ፡ ሎሚ ዓርቢ 27 ሕዳር፡ ከምዘፍለጠ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ቲ.ኣር.ቲ ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ።

ግዝያዊ ኣፈኛ ሰራዊት ኡጋንዳ ኮሎኔል ክሪስ ማጌዚ ከም ዝገለጾ፡ ሰራዊት ምክልኻል ህዝቢ ኡጋንዳ ካብታ ኣብ ኣውራጃ ሰሜን ኪቩ እትርከብ ከተማ ሉቤሮ ምውጻእ ክጅምር’ዩ፥ ሓላፍነት ጸጥታ እታ ከተማ ድማ ንሰራዊት ኮንጎ ከረክብ’ዩ።

ይኹን እምበር፡ ኮሎኔል ማጌዚ እዚ ምውጻእ ሰራዊት ንከተማ ሉቤሮ ጥራይ ዝምልከት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣንጻር ምስ ዳዒሽ ርክብ ዘለዎም ዕጡቓት ADF ዝካየድ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ወፍሪ “ስርሒት ሹጃ”፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ምብራቓዊ ኮንጎ ከም ዝቕጽል ኣረጋጊጹ።

እዚ ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ኡጋንዳን ወዲ ፕረዚደንት ዮዌሪ ሙሴቬኒን ዝኾነ ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ከቢድ ዲፕሎማሲያዊ ምስሕሓብ ድሕሪ ምፍጣሩ’ዩ።

ጀነራል ካይነሩጋባ ኣብ ጽሑፉ፡ ብፕረዚደንት ነበር ኮንጎ ጆሴፍ ካቢላ ዝምራሕን ዕጡቓት ነበር M23 ዝሓቖፈን ዓማጺ ጉጅለ FRN፡ ብማዕድን ዝሃብተመት ከባቢ ዋሊካሌ እንተተቖጻጺሩ ሰራዊት ኡጋንዳ ከም ዘይቃወሞ ገሊጹ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንሓላፊ ኤምባሲ ኡጋንዳ ኣብ ኪንሻሳ ጸዊዑ፡ እቲ መግለጺ ንልዑላውነት ኮንጎ ዝጥሕስ “ኣዝዩ ከቢድ” ተግባር ምዃኑ ብምግላጽ ወግዓዊ መብርሂ ሓቲቱ ምንባሩ እቲ ጸብጻብ የመልክት።