ፈረንሳ ኣብ 2026 ንኽልተ ተኸታታሊ ርብዒ ዓመታት ቁጠባዊ ምጉዳል ድሕሪ ምምዝጋባ፡ ኣብ ቴክኒካዊ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ከም ዝኣተወት፡ ብ 27 ሕዳር ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ማዕከን ሮያል ዜና ይሕብር።

ኣብቲ ሎሚ፡ ብትካል ብብሄራዊ ስታቲስቲክስን ቁጠባዊ መጽናዕትን ፈረንሳ ዝተዘርግሐ ዝተኣረመ ሓበሬታ፡ ጃምላዊ ሃገራዊ ምህርቲ፡ ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት ብ0.2 ሚእታዊት ከም ዝተጎድለ ኣረጋጊጹ።

እቲ ቁጽሪ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተገምተ 0.1 ሚእታዊት ምጉዳል ዝዓበየ እዩ። ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት’ውን ቁጠባዊ ንጥፈታት ብትሑት መጠን ምጉዳሉ ተረጋጊጹ።

ካብ’ቶም ንቁጠባ ፈረንሳ ዝጸለዉ ረቛሒታት፡ ምጉዳል ወፍሪ ትካላትን ሰደድ ኣቑሑትን ይርከብዎም።

እቲ ወፍሪ ብ0.9 ሚእታዊት፡ ሰደድ ኣቑሑት ድማ ብ1.6 ሚእታዊት ከም ዝተጎድለ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ብኣንጻሩ፡ ወጻኢታት ሸመታ ስድራቤታት ብ0.3 ሚእታዊት ወሲኹ።

እዚ ቁጠባዊ ምንቁልቋል፡ መንግስቲ ፈረንሳ ን2026 ዝሓንጸጾ 0.5 ሚእታዊት ዕብየት ቁጠባ ንምርግጋጽ ዝገብሮ ጻዕሪ ከም ዘጸግሞ ተገሊጹ።

ኣብ ተመሳሳሊ ጊዜ፡ ጉድለት ባጀት መንግስቲ እውን ካብ ሸቶ ዝለዓለ ኮይኑ ከም ዝቐጸለ ይሕብር።

ቁጠባዊ ምንቁልቋል ማለት፡ ሓደ ሃገር ኣብ ክልተ ተኸታታሊ ርብዒ ዓመታት ኣሉታዊ ዕብየት ቁጠባ ምምዝጋባ ዘመልክት ቃል ምዃኑ ተንተንቲ የገንዝቡ።