ሶማልያ፡ ምርጫ ፓርላማን ፕረዚደንትን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ከም ዝካየድ ሎሚ ሓሙስ 15 ጥቅምቲ ኣፍሊጣ።
ኣብታ ሃገር ድሕሪ ብዙሓት ዓመታት ንፈለማ እዋን ብቐጥታ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ን15 ግንቦት 2027 ቆጸራ ተታሒዙ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ኮሚሽን ምርጫ ሶማልያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምርጫ ፓርላማ 15 ሚያዝያ፡ ምርጫ ፕረዚደንት ድማ 15 ግንቦት ከም ዝካየድ ሓቢሩ።
እቲ ኮሚሽን፡ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብመሰረት እቲ ፕረዚደንት ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ ዘመን ሓሙሽተ ዓመት ምዃኑ ዘገድድ ሕጊ ከም ዝተወሰነ ገሊጹ።
እቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝጅምር ድማ እቲ ፕረዚደንት ቃለ መሓላ ፈጺሙ ስልጣኑ ካብ ዝርከበሉ ዕለት ምዃኑ ኣብቲ ሕጊ ተገሊጹ ኣሎ።
ሶማልያ፡ ካብ 1969 ኣትሒዛ ብቐጥታ፡ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ሓደ ድምጺ ብዝህበሉ ስርዓተ ምርጫ ኣየካየደትን። እታ ዓመት እቲኣ፡ ሲያድ ባረ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዘላ ኮይና፡ ን20 ዓመታት ንሶማልያ መሪሑ’ዩ።
እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ሶማልያ ናብ ዲሞክራስያዊ ምርጫ ንኽትሰጋገር ጻዕሪ ክገብር ምጽንሑ ይግለጽ።
እቲ ካልኣይ እብረ ዘመነ ፕረዚደንትነቱ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት እኳ እንተተዛዘመ፡ መንግስቱ ግን ኣብ ወርሒ ግንቦት “ናይ ምስግጋር ግዜ” ኣዊጁ’ዩ።
ፕረዚደንት ነበር መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ እቲ ውሳነ ምርጫ “ንልዑላውነትን መጻኢን ሶማልያ ሓደገኛ ስግኣት’ዩ” ክብል ኣብ ማሕበራዊ መርበብ X ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ንሱ እቲ ምርጫ ብስምምዕ ምስ ኩሎም ወገናት ክካየድ ጸዊዑ።