IMF
ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF)፡ ቁጠባ ኣፍሪቃ ኣብ ቅልውላዋት ዓለም እኳ እንተሃለወ፡ ዕቤት የርኢ ከም ዘሎ ገሊጹ።
እቲ ትካል፡ ቁጠባ ኣፍሪቃ ኣብ 2026 ብ4.5 ሚእታዊት፡ ኣብ 2027 ድማ ብ5 ሚእታዊት ክዓቢ ትጽቢት ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ።
እንተኾነ፡ ምንካይ ልምዓታዊ ሓገዝ ካብ ወጻኢ ሃገራት፡ ንኣፍሪቃ ንተወሳኺ ቁጠባዊ ቅልውላዋት ተቓላዒት ይገብራ ከም ዘሎ እቲ ትካል ኣጠንቂቑ።
ሓላፊ ክፍሊ ኣፍሪቃ ናይቲ ትካል፡ ዘይን ዘይዳን፡ ልምዓታዊ ሓገዛት፡ ኣብ 2025 ብዓቢኡ ከም ዝነከየ፡ ኣብ 2026 ድማ ተወሳኺ 12 ሚእታዊት ክንኪ ከም ዝግመት ኣብ ባንኮክ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣፍሊጡ።
ምቁራጽ ኣቕርቦት ጸዓት፡ ወሰኽ ዓለማዊ ቁጠባዊ ሓደጋታት፡ ሓያል ኤል ኒኖ፡ ግጭታትን ዘይምርግጋእ ጸጥታን ኣብ ቁጠባ እታ ኣህጉር ጸቕጢ ክፈጥሩ ከም ዝኽእሉ እውን ኣጠንቂቑ።
እዚ ኩነታት ኣብ ገለ ሃገራት ውሕስነት ምግቢ እውን ኣብ ሓደጋ ከእቱ ይኽእል።
ብኻልእ ወገን፡ ዋጋ ኣገደስቲ ማዕድናት ምውሳኹ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ተወሳኺ እቶት ይፈጥር ኣሎ። እዞም ማዕድናት፡ ኣብ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ኣገዳሲ ተራ ከም ዘሎዎም ዝፍለጥ’ዩ።
ትካል ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ነዚ ተወሳኺ እቶት ብጥንቃቐ ክጥቀማሉ፡ ዓቕመን ከዕብያን ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ተወዳዳርነተን ከመሓይሻን ጸዊዑ።