ኣብ ኬንያ በቲ ቡንዲቡግዮ ዝተብሃለ ቫይረስ ኢቦላ ዝተታሕዙ ሰባት ቁጽሪ ናብ ሾሞንተ ክብ ምባሉ ሰብ መዚ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
ኣብ ኬንያ ሓሙሽተ ሓደስቲ ብቫይረስ ኤቦላ ቡንዲቡግዮ ዝተታሕዙ ሰባት ብምርካቦም ክሳዕ ሕጂ በቲ ሕማም ዝተለኸፉ ሰባት ሾሞንተ ምብጸሖም፡ ሎሚ 19 ጥቅምቲ፡ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝዘርግሐኦ ሓበሬታ የመልክት።
ካብ’ቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት እቶም ሰለስተ በቲ ሕማም ክተሓዙ ዝኸኣሉ፣ ነቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ቀዳማይ ሕሙም ዝሓከሙ ሰራሕተኛታት ትካል ጥዕና ምዃኖም ሰብ መዚ ጥዕና እታ ሃገር ምጥቃሶም ዝፍለጥ’ዩ።
እቲ ራብዓይ ድማ ዘመድ እቲ ሕሙም ምዃኑን እዚ ሓድሽ ድማ ኣንሶላ ዘንጽፍ ሰራሕተኛ ትካል ጥዕና ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ኬንያ በቲ ቫይረስ ካብ ዝተትሓዙ እቲ ሓደ ብዕለት 5 ጥቅምቲ ከም ዝሞተ ዝዝከር’ዩ።