Uganda's Museveni sworn in for seventh term as succession question looms -  RFI

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ልዕሊ 2,000 ሓደስቲ ኣባይቲ መንበሪ ንዜጋቱ ምርካቡ ስዒቡ፡ ገለ ዩጋንዳውያን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ንፕረዚደንት ኬንያ ብምንኣድ “ፕረዚደንትና ብፕረዚደንትኹም ንቐይር” ዝብል ሓሳባት ከቕርቡ ምጅማሮም፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ክትዕ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣበጊሱ ከምዘሎ ማዕከን ዜና ዶቸ ቨለ ሎሚ 20 ጥቅምቲ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ገሊጹ።
ኣብ ምዕራብ ኬንያ ኣብ ትርከብ ከተማ ኤልዶሬት ዝተሃነጹ 2,157 ኣባይቲ፡ መንግስቲ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ዜጋታት ብሕሱር ዋጋን ብንጹር ወርሓዊ ክፍሊትን ሰብ ዋና ገዛ ንምግባር ዝተግበሮ መደብ ናእዳ ይረክብ ምህላዉ ተሓቢሩ።
እቲ ብኣስታት 41 ሚልዮን ዶላር ዝተሃነጸ ዘመናዊ መንበሪ ኣባይቲ፣ ድኳናት፣ መዕበይ ህጻናት፣ መጻወቲ ቦታታትን ካልኦት ኣገደስቲ ማእከላትን ዝሓዘ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ዋጋ ሓደ ገዛ ኣስታት 4,900 ዶላር ኮይኑ፡ ወርሓዊ ክፍሊቱ ከባቢ 29 ዶላር ዝጅምር ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የመላኽት።
ገለ ዩጋንዳውያን ንስራሕቲ ሩቶ ብምንኣድ፡ ንዕኡ ብፕረዚደንት ሃገሮም ዮዌሪ ሙሴቨኒ ንምቕያር ድልየት ከም ዘለዎም ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።
ብኣንጻሩ ኬንያውያን ነቐፍቲ፡ እዞም ኣባይቲ ብሰንኪ ወሰኽ ግብርን ናህሪ ዋጋ መነባብሮን ንዝተጸገሙ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ስድራቤታት ዝተሃነጹ’ዮም ብምባል ፖለቲካዊ ምስሊ ይህብዎ ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።