
ትካል ተጣባቒ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች (HRW)፡ ብዛዕባ ቅትለት እቲ ሬሳኡ ኣብ ምፒጊ-ኡጋንዳ ርእሱ ተቖሪጹ ዝተረኸበ፣ ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ሩዋንዳ ዝነበረን ነቲ መንግስቲ ብጽኑዕ ዝነቅፍ ምንባሩ ዝፍለጥን ሮበርት ካቤራ፡ ምርመራ ክግበር ጸዊዑ።
ብመሰረት ጸብጻብ ዶቸ ዌለ፡ ካቤራ ንድሕነቱ ብምስጋእ ኣብ 2020፡ ካብ ሩዋንዳ ሃዲሙ፡ ኣብ ኡጋንዳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ ምንባሩ ይዝከር።
ቅድሚ ሞቱ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወቱ ብተደጋጋሚ ምፍርራሕ ይበጽሖ ከም ዝነበረ ንሰበስልጣን ሓቢሩ ምንባሩ ይግለጽ።
ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ፖሊስ ኡጋንዳ “እቲ ቅትለት፡ ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎ ድዩ ኣይኮነን” ክምርምር ኣተሓሳሲቡ።
ፖሊስ መርመራታት ይቕጽል ከም ዘሎን፡ ውጽኢት መርመራ ሬሳ ገና ኣብ ምጽባይ ከምዘሎን ይገልጽ።
እቲ ጉዳይ፡ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሩዋንዳውያን ስግረ-ዶባዊ ስግኣትን መጥቃዕትን ይፍጸም ኣሎ ዝበሃል ስክፍታታት ኣሐዲሱ ኣሎ።
መንግስቲ ሩዋንዳ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከቡ ተቓወምቱ ኮነ ኢሉ ዒላማ ከምዝገበረ ንዝገልጽ ክስታት ብተደጋጋሚ ክነጽጐ ጸኒሑ’ዩ።