Ethiopian Prime Minister Abiy Ahmed and Eritrean President Isaias Afwerki are both attending the third Russia-Africa Summit in Moscow on October 28–29, 2026.

ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ሎሚ ኣብ ሞስኮ ይካየድ ኣሎ።
ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣብቲ ዋዕላ ይሳተፍ ኣሎ። ቀ.ሚ.ዶ ኣብይ ኣሕመድ’ውን ኣብኡ ተረኺቡ ኣሎ።

ኣብቲ ሓፈሻዊ ዋዕላ ጥራይ ተሳቲፎም ዶ ክምለሱ ይኾኑ? ወይስ ንህሉው ወጥሪ ክልቲኤን ሃገራት ብዝምልከት ብፍሉይ ዝዘራረቡሉ ኩነታት ክፍጠር እዩ?

ኣብ ዝሓለፉ ቅንያት: ሩስያ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘሎ ወጥሪ ንምሽምጋል ጎኒ-ጎኒ’ቲ ዋዕላ፡ ምስ ክልቲኦም መራሕቲ ርክብ ንምክያድ ድልውነታ ገሊጻ ነይራ።

ትማሊ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ክልቲኦም ወገናት እንተተሰማሚዖም ሞስኮ ንዝርርብ ክትሕግዝ ድልውቲ ምዃና ደጊሙ ገሊጹ።

gallery/image_20261029_091513.webp

ክልቲኦም ወገናት ንድሉውነት ሩስያ ተቐቢሎም ክዛተዩ እንተፈቒዶም እንታይ ክፍጠር ይኽእል?

ንወጥሪ ክልቲአን ሃገራት ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ክወስድ ዝኽእል ውጽኢት ክህልዎ ዶ ይኸውን?
ንሕና’ኸ እንታይ ንደሊ? ናተይ ድሌት ኣብ መጨረሽታ ክነግረኩም እየ።

ተኽእሎታት ከቐምጥ:

1. ናይ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዕድል ክኸፍት፣
2. ብ መንጎኝነት ሩስያ ዝካየድ ዝርርብ ከበግስ፣
3. ወይ ድማ ግዝያዊ ምርግጋእ ክፈጥር ይኽእል።

ቀንዲ ጉዳያት እቲ ወጥሪ:
🔹ናይ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ፣
🔹ልዑላውነት ኤርትራ፣
🔹ዶባዊ ጸጥታን ኩነታት ትግራይን እዮም።

እዞም ጉዳያት ብተግባር እንተዘይተፈቲሖም፣ ዝኾነ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ግዝያዊ ጥቕሚ ጥራይ ክህልዎ ይኽእል።

May be an image of text

ኣነ ዝደልዮ…

ፍልልይ ክልቲአን ሃገራት ብኩናት ዝፍታሕ ኣይመስለንን። ናብ ኲናት እንተተኣትዩ’ውን ንክልቲአን ሃገራት ጽቡቕ ውጽኢት ክህልዎ’ዩ ዝብል እምነት የብለይን። እቲ ህሉው ኩነታት (Status Quo) ብ ኲናት እንተተቐይሩ’ውን ካብ’ቲ ንብረት(ረብሓ) እቲ ዋጋ ክኸብር እዩ። እቲ ንብረት ከምዝሓሰብካዮ ክትጥቀመሉ ዘየኽእል ኩነታት’ውን ክፍጠር ይኽእል። “ንግዲ ኣምሩ” ይኸውን።

እቲ ሕቶ ናይ ባሕሪ ኣገልግሎት እንተኾይኑ ኲናት ዘድልዮ ኣይኮነን። ህዝብታትና ብኲናት ሰኪሖም እዮም፤ እቲ ኲናት ድማ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ተደሪቱ ዝተርፍን ብቐሊሉ ዝውዳእን ኣይክኸውንን።

ስለዚ፡ በዚ ጉዳይ ናብ ወተሃደራዊ ግርጭት ክእቶ ዘይኮነስ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ክፍታሕ እየ ዝደሊ።

እዚ መንገዲ ምናልባት ንስርዓት ኢሳያስ ዘወግድን ኣብ ኤርትራ ናይ ስርዓት ለውጢ ዘምጽእን ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ። ሰፊሕ ዞባዊ ግጭትን ህልቂት ኣእላፍን ከትርፍ ግን ይኽእል። ጉዳይ ለውጢ ስርዓት (Regime change ) ካብ’ቲ “ባሕሪ” ዝጠንቁ ምትፍናን እዘን ሃገራት ፈልየ እየ ዝሪኦ ዘለኹ፤ ንሱ ናይ ኤርትራውያን ብሕታዊ ዕዳ ስለዝኾነ።

ምስ ባርነት ተወሃሂድካ ምንባርን ምጽዋር ወጽዓን ዝለመዱ ኤርትራውያን ካብ ጭቆና ህግደፍ ክገላገሉ ምእንቲ- ሚልዮናት ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ኣህላቒ ኲናት ክኣትዉ ምድላይ በለጽን ጭካነን እዩ።

ዮናስ ኣሸብር

28 ጥቅምቲ 2026