ኤሪሳት ካብ ጥቅምቲ 2018 ጀሚራ፡ ናብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ማእከላይ ምብራቕን ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓታት፡ ሰሙን ምሉእ፡ ብሳተላይት መደባት ቴለቪዥን ትፍኑ። ክሳዕ ሎሚ ብኣርባዕተ ቛንቋታት እትፍኑ ዘላ ኤሪሳት፡ ዓቕሚ እናወሰኸት ብኹሉ ኤርትራዊ ልሳናት መደባታ ክትፍኑ እያ። ኤሪሳት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያቱ ዘገድሶ ሓቂ ንኽድህስስ፡ ኩነታት ሎሚ ንኽርዳእ፡ ንጽባሕ ሰላም ከምጽእ ዘተ ኽካይደላ ዝቘመት ሃገራዊት መስመር ቴለቪዥን እያ። ኤሪሳት፡ ኣብ ሓንቲ ልኡላዊት ኤርትራ፡ ምእንቲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንናይ ሓባር መጻኢ፡ ብናይ ሓባር ራኢ፡ ኣብ ፍቓድ ዜጋታት ተሰሪቱ ኣብ ዝትከል ደሞክራሲ ትኣምን።