ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስተር ኢንግሊዝ ኬይር ስታርመር፡ ኣብ ዝገበሮ ቀዳማይ መደርኡ፡ ነቲ ቅድሚኡ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ዓቃባዊ መንግስቲ ሒዝዎ ዝጸንሐ ንሰደተኛታት ናብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ርዋንዳ ናይ ምግዓዝ ፖሊሲኡ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝሰረዞ ገሊጹ።

እዚ ብሓድሽ ሰልፊ ዕዮ ዝተወስደ ስጉምቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ ስጉምትታት ኰይኑ፡ እቲ ነቲ ዝተወስደ ዓቢ ውሳኔ ብወግዒ ዝሓበረ ቀዳማይ ሚንስተር ኬይር ስታርመር በቲ ገና እግሩ ኣብ ኦፊስ ከየንበረ ዝወሰዶ ተባዕ ስጉምቲ ካብ ብዙሓት ዘይመንግስታዊ ኣካላትን ኢንግሊዛውያንን ልዑል ኣድናቖት ረኺቡ ኣሎ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ንጉዳይ ምጥራዝ ስደተኛታት ዘይሰብኣውን ዘይውጽኢታውን ኢሉ ብምግላጽ ጉዳይ ርዋንዳ ከይተበገሰ ሞይቱ ብምባል ንስደተኛታት ሩፍታ ዝህብ መደረ ኣስሚዑ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ንጉዳይ ምጥራዝ ስደተኛታት ኣብ ቀዳመይቲ ናይ ስራሕ ዕለት ከም ዝስርዝ ዘፍለጠ ሰልፊ ዕዮ ኣተኩሮኡ ናብ ጠንቂ ፍልሰት ስደተኛታት ብምግባር ከም ዝሰርሕን ንፖሊሲ ደለይቲ ዑቕባ ኢንግሊዝ ከም ዘመሓይሽን ገሊጹ ኣሎ።