ኣብ መንጐ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዘሰሓሕብ ከባቢ
ኣብዬ፡ ኣብ ዕዳጋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ብውሑዱ 73 ሰባት ከም ዝተቐትሉን 19 ከም ዝቖሰሉን ሚኒስተር ሓበሬታ እቲ ከባቢ ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ሓበሬታ ኣብዬ ዮሃና ኣኮል ንጎር፡ ኣብቲ ዕዳጋ ሓውን ጽዑቕ ትኪን ስለ ዝነበረ፡ ነቲ መስርሕ ምርካብን ምቑጻርን ዓስከሬን ከም ዝተዓናቐፈ ይሕበር።
በዚ ኸኣ፡ ቁጽሪ ግዳያት ካብቲ ክሳዕ ሕጂ ካብቲ ተረኺቡ ዘሎ ንላዕሊ ክውስኽ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
እቶም ግዳያት ካብ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ዝመጹ ሲቪላት ኰይኖም ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ንግዲ ዝነጥፉ ምዃኖም ይግለጽ።
ሰበ-ስልጣን ኣብዬ ሰራዊት ሱዳን ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ይጥርጥሩ እንተኾነ ግን፡ ተሓታትነት እቲ መጥቃዕቲ ብናጻ ኣካል
ዛጊት ከም ዘይተረጋገጸ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።