ኣብ የመን ዳግማይ ኣብ ዝጋደድ ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ሻብዋ ኣብ ዝርከብ መዕለሚ ሓይልታት ጸጥታ ብሚሳይላት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ 53 ሰባት ከም ዝቐተለን 200 ከም ዘቑሰለን፡ ሎሚ 19 ጥቅምቲ 2026፡ ማዕከን ዜና
ሮይተርስ፡ ካብ ሰበ-ስልጣን ከባቢ ብምጥቃስ ሓቢሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ሰራዊት, ኣብ ልምምድ እናሃለወ ብሰለስተ ባላስቲካዊ ሚሳይላት ከም ዝተፈጸመ ምንጭታት ከባቢ ገሊጾም።
ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሑቲ ያሕያ ሳሪዕ እቲ ጉጅለ ንማእከል መዐለሚ ከም ዝወቕዐ ኣረጋጊጹ።
እንተኾነ፡ እቲ ማእከል ብሓይልታት ስዑዲ ዓረብ ይካየድ ከም ዝነበረ ዝብል መግለጺ ሑቲ ብናጻ ምንጪ ዛጊት ኣይተረጋገጸን።
ብኻልእ ወገን፡ ኢራን ንሑቲ ወተሃደራዊ ስልጠና፡ ሓበሬታ ስለያ፡ ምኽሪ ስትራተጂን ቴክኖሎጂ ሚሳይላትን ድሮናትን ትህብ ኣላ ዝብል ክስታት ኣብ ሓደስቲ ጸብጻብ ማዕከናት ዜና ይጠቅስ።
እዚ ድጋፍ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ኣበርክቶ ከም ዝነበሮ እውን ተገሊጹ።
ኢራን ግን ኣብቲ መጥቃዕትታት ኢድ ከም ዘይብላ ክሲ ነጺጋ ኣላ።
ኣብዚ እዋን፡ ሓይልታት መንግስቲ የመን ካብ ሑቲ ትሕቲ ቁጽጽር ዘለዉ ከባቢታት ንምምላስ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣካይዶም ኣለዉ። ሑቲ ብወገኖም ኣብ ከባቢ ታዕዝ ከቢድ ጸቕጢ ይፈጥሩ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።
እዚ ግጭት ኣብ ከባቢ ባብ ኤል-መንደብ፡ ኣብ መንጎ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዝርከብ ኣገዳሲ መስመር መጓዓዝያ ባሕሪ፡ ንዞባዊ ጸጥታን ንንግዲ ዓለምን ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።