gallery/image_20261023_223426.webp
ኣብ ከተማ ደርባን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ኣንጻር-ስደተኛታት፡ ኣስታት 50 ዝዀኑ ሰባት ንሓደ ወጻኢ ዜጋ ብምድብዳብ ከም ዝቐተልዎ ፖሊስ ገሊጹ።
እቲ ግዳይ፡ ኣብ ማእከላይ ንግዳዊ ከባቢ እታ ከተማ፡ ኣብ ወሰን ጎደና ደው ኢሉ እንከሎ ብጉጅለ ሰባት ከም ዝተጠቕዐ ተሓቢሩ።
እቲ ሰብ ኣብቲ ቦታ ህይወቱ ከም ዝሰኣነ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ዜግነት ናይቲ ግዳይ ዛጊት ኣይተገልጸን። ዕድሚኡ ኣብ መንጎ ሰላሳን ኣርብዓን ዓመት ከም ዝግመት ተሓቢሩ።
ፖሊስ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ተጠርጠርቲ ንምልላይን ንምእሳርን ምርመራ የካይድ ኣሎ።
ኣንጻር ስደተኛታት ዝለዓሉ ተቓውሞታት
ደርባን፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ናይ ጸረ-ስደተኛታት ተቓውሞታት ማእከል ኮይና ምጽንሓ ዝፍለጥ’ዩ።
እቶም ተቓወምቲ፡ ብፍላይ ሕጋዊ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ናብታ ሃገር ከይኣትዉን ኣብ ዉሽጢ እታ ሃገር ከይጸንሑን፡ መንግስቲ ዘየዳግም ስጉምቲ ክወስድ ይጠልቡ።
ገለ ካብ’ቶም ተቓውሞታት ናብ ዝረገጸ ጎንጺ፡ ስርቅን መጥቃዕትታትን ከም ዝተቐየሩ ተገሊጹ።
ናይጀርያ፡ ሞዛምቢክ፡ ማላዊን ካልኦት ሃገራትን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ዜጋታተን ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ኣሻቒሎም ኣለዉ።
ሰበ-ስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ ብወገኖም፡ ገለ ካብቲ ዝቐረበ ክስታት ብምንጻግ፡ ገለ ካብ’ቶም ግዳያት ምስ ልሙዳት ገበናት ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ገሊጾም።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝለዓሉ ጸገማት ስራሕ ኣልቦነትን ሕጽረት ኣገልግሎታት ህዝብን፡ ኣብ መንጎ ነበርትን ስደተኛታትን ወጥሪ ካብ ዘለዓዕሉ ረቛሒታት ሓደ ምዃኖም ይግለጽ።
እንተኾነ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም ዓመጽ መመኽነይታ ክኸውን ኣይክእልን።
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም መጥቃዕትታት ኣውጊዙ።
ብዛዕባ ቁጽጽር ዶብ እውን፡ ድኽመታት እቲ ስርዓት ሕጋዊ ሰነዳት ዘይብሎም ሰባት ናብታ ሃገር ክኣትዉን ክጸንሑን ዕድል ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እቲ ኣብቲ ጸብጻብ ዝተጠቕሰ መንግስታዊ ሓበሬታ፡ ካብ 62 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር፡ ኣስታት 2.4 ሚልዮን ወጻእተኛታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይነብሩ።