ሜላት ኪሮስ፡ ኣብ ኮሎራዶ ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ብምዃን ታሪኽ ከም ዝሰርሐት ካብታ ሃገር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ የመልክት።

ሜላት ኪሮስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልደት ክትከውን ከላ፡ ኣብ ምርጫ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ግዝኣት ኮሎራዶ ተሳቲፋ ብምዕዋት፡ ነታ ግዝኣት ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካ እትውክል ቀዳመይቲ ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ኮይና።

ሜላት ኪሮስ፡ ኣብ ዲስትሪክት ቁጽሪ ሓደ፡ ኣብ ኮሎራዶ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ንሪፓብሊካዊት ተወዳዳሪታ ክሪስቲ ፒተርሰን ብምስዓር እያ ነቲ መንበር ተጓናጺፋቶ ዘላ።

በአሜሪካዋ ኮሎራዶ ግዛት በተደረገው ቅድመ ምርጫ ያሸነፈችው ሜላት ኪሮስ ማን ናት? - BBC News አማርኛ

እቲ ዓወት ካብ 1997 ኣትሒዙ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብቲ ዲስትሪክት ወኪል ኮይና ዝጸንሐት ዲያና ዴገተ ድሕሪ ምውጻኣ፡ ንመጀመርታ ግዜ ሓዳስ ወኪል ክትከውን እያ።

ኣብ ወፍሪ ምርጫኣ፡ ንኹሉ ሰብ ተበጻሒ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ብተመጣጣኒ ዋጋ መንበሪ ኣባይቲ ምርካብ፥ ጽልዋ ዓበይቲ ኩባንያታት ኣብ ፖለቲካ ምጉዳልን ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ እስራኤልን ፍልስጤምን ምቕያርን ዝብሉ ጉዳያት ኣብ ቀንዲ መደባታ ኣካቲታ ምንባራ ዝዝከር’ዩ።

ሜላት ኪሮስ፡ ጓል 29 ዓመት ጠበቓ ክትከውን ከላ፡ ብማህደር ትምህርቲ ድማ ማዕረግ ዶክትሬት ድግሪ ንምርካብ ተመራማሪት’ውን እያ።

ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ኣብ ባይቶ ዝምረጽ ቀዳመይቲ ኣባል ወለዶ Gen Z ዝተባህለ ምዃና’ውን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

እዚ ዓወት፡ ኣብ ፖለቲካ ኣመሪካ ተሳትፎ ሓድሽ ወለዶን ዝተፈላለዩ ድምጽታትን እናዓበየ ምምጽኡ ዘመልክት ፖለቲካዊ ፍጻመ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።