Motorbikes drive past Iranian missiles and banners showing portraits of the Iranian Supreme Leader Ayatollah Mojtaba Khamenei, center, and the late armed forces commanders and nuclear scientists, who were killed in Israeli and U.S. strikes, displayed in a military exhibition commemorating the anniversary of the start of the 1980-88 Iraq-Iran war at Baharestan Square, in Tehran, Monday, Sept. 28, 2026. (AP Photo/Vahid Salemi)

ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ትሕቲ መሬት መፍረይን መኽዘናትን ኣጽዋር ንምህናጽ፡ ኣብ መስርሕ ህንጸት ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሓፈሻዊ ወሃቢ ቃል እቲ ሓይሊ ብሪጋዴር ጀነራል ሑሴን ሞሄቢ፡ መስርሕ ምፍራይ ሚሳይላትን ድሮናትን ካብ ዝነበሮ ልዕሊ መሬት ናብ ትሕቲ መሬት ከምዘግዓዞ ገሊጹ።

እዚ ስጉምቲ ኣብ እዋን ከቢድ ደብዳብ እውን ምፍራይ ኣጽዋር ከይተቋርጽ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ሞሄቢ፡ እቲ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ትካላት መፍረ ሚሳይላት ዘጠቓልል ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ዓበይቲ ሕንጻታት ከም ዝሃነጸን፡ ሓድሽ ከተማ ሚሳይላት ኣብ ቀረባ እዋን ከምዘፋልጥን ገሊጹ።

እቲ ወሃቢ ቃል፡ ኢራን ብዘቤታዊ ቴክኖሎጂን ክእለትን ኣብ ምፍራይ ኣጽዋር ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ከም ዘማዕበለት ብምግላጽ፡ እቲ መፍራይ ኣብ እዋን ኲናት እውን ክቕጽል ዘኽእል ስርዓት ከምዝተዘርግሐ ጠቂሱ።

Third underground missile factory' in Iran

ብተወሳኺ፡ ሚሳይላትን ድሮናትን ኢራን ብራዳር ንኽልለዩ ዘለዎም ተኽእሎ ንምጉዳል ዝተገብረ ምምሕያሽ ከምዝሃለወ ገሊጹ።

እቲ ሓይሊ ኣብ እዋን እቲ ዝተኻየደ ኲናት ልዕሊ 260 ነፈርትን ካልኦት በረርቲ መሳርሕታትን ከም ዘዕነወ ኣዘኻኺሩ።

እዚ ግን ብሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝቀረበ ሓበሬታ ዛጊት ብናጻ ምንጭታት ኣይተረጋገጸ።

መግለጺ ኢራን ኣብ መንጎ ወትሃደራዊ ምድላዋትን ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታትን ኣብ ትርከበትሉ እዋን ዝወጸ ምዃኑ ጸብጻባት የመልክቱ።