ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብቲ ንትግራይን ዓፋርን ዘዋስን ከባቢ ንኡስ ዞባ ራያ ዓዘቦ ወዲ 11 ዓመት ቆልዓ ዝርከቦም 7 ሰባት መንነቶም ብዘይተፈልጠ ዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ ተሓቢሩ።
ብመስረት ሓበሬታ ኣማሓዳሪ ራያ ዓዘቦ ኣቶ ተዘራ ጌታሁን እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ካብ ክልል ዓፋር ዝሰገሩ ከም ዝኾኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ፈደራል ፖሊስን መንግስቲ ክልል ዓፋርን ነቲ ኣብ ራያ ዓዘቦ ዝተፈጸመ ናይ ቅትለት ገበን ክምርምሩን ንፈጸምቲ ናይቲ ገበን ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትዉን ጸዊዑ።
ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ከይወጻና፡ ሓደ ካብ መራሕቲ ሓይልታት ፋኖ ዝኾነ እስክንድር ነጋ፡ ነቲ ብኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ጻውዒት ብኣወንታ ከም ዝተቐበሎ ተሓቢሩ።
ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ፡ ኩሎም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት ናብ ሰላማዊ ዘተ ብምምጻእ ሽግሮም ክፈትሑ ጻውዒት ድሕሪ ምቕራቡ እስክንድር ነጋ ዝመርሖ ሓይሊ
ፋኖ ነቲ ጻውዒት ከም ዝተቐበሎ ክሕበር ከሎ፡ ካልኦት ሓይልታት ፋኖ ግና ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ክሳዕ ዘሎ ንሰላማዊ ዘተ ከም ዘይቅበሉ ገሊጾም።
ጻውዒት ኣምሳደር ማሲንጋ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ከም ዝተነጽገ ክሕበር ከሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘረባ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ግጉይ ሓበሬታ ዝተመስረተ
ዘይዲፕሎማስያዊ ክብል ከም ዝገለጾ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ዝግደስ ኤውሮጳዊ ትካል ሓበሬታ ገሊጹ።