ኣብ ምዕራብ ሱዳን፣ርእሰ ከተማ ሰሜን ዳርፉር ዞባ ኣል-ፋሸር ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኣል-ቲጃንያ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ኣል-ሂጅራ ሓይልታት RSF ፕሮጀክታይል ብምድርባዮም 9 ህጻውንቲ ክሞቱ እንከለዉ፡ 11 ድማ ከም ዝቆሰሉ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ዘይመንግስታዊ ጉጅለ ኮሚቴ ብተቃዉሞ መልክዕ ኣብ ዘዉጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ኣል-ፋሸር ካብ 10 ግንቦት 2024 ጀሚሩ ሓያል ግጭት ከም ዘሎን፡እዚ ከኣ ኣብ መፋርቅ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ዝጀመረ ግጭት ሓይልታት ምክልኻል ሱዳንን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ስዒቡ ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ይፍለጥ።
እቲ ሰብን ሃገርን ዘጥፍእ ዘሎ ግጭት ክሳዕ ሕጅ ልዕሊ 16,650  ህይወት ከም ዘጥፍአ ኦቻ ዝዘርግሖ ሓበሬታ የረድእ።
ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ካብ መጀመርታ ወርሒ ሰነ ኣትሒዙ፡ ኣብ ሱዳን ብዉሕዲ 7.3 ሚሊዮን ዉሽጣዊ ምምዝባል ከም ዘጋጠሞም የገንዝብ።