ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ብምብጽሑ፡ ስክፍታታት ወሲኹ
ሓይልታት ፌደራል ኢትዮጵያ ናብታ ኣብ ጥቓ ኤርትራ እትርከብ ዶባዊት ከተማ ዛላምበሳ ገጾም ብምግስጋሶም፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጎረባብቲ ሃገራት ኣዕናዊ ወተሃደራዊ ግጭት ከዪፍጠር ስክፍታታት ኣበጊሱ ከምዘሎ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ይሕብር።

ብተመሳሳሊ፡ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ፡ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ወተሃደራዊ ምዕባለታት ምስቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምስሕሓብ መሬት፣ ሕቶ ተበጻሕነት ባሕሪ ኢትዮጵያን ዞባዊ ጽልዋን ተኣሳሲሩ፡ ክልቲአን ሃገራት ናብ ኲናት ክእትዋ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ካብ 2020 ክሳዕ 2022፡ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ትግራይ ብሓባር ዝተሰለፋ’ኳ እንተነበራ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ግና ዝምድናአን እናሓርፈፈ ከም ዝመጸ ይፍለጥ።
ተንተንትን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን፡ እቲ ግጭት ክሃድእን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሰፍሐ ግጭት ከዪፍጠር ንምክልኻልን ዘተ ክካየድ ይጽውዑ ኣለዉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ መዳይ ዲፕሎማስን ፖለቲካውን እቲ ስርዓት ጽቡቕ ይኸይድ ከም ዘሎ ክገልጹ ጀሚሮም ኣሎዉ።
ብኣንጻሩ ድማ እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ኲናት ከይጅመር ስግኣት ሓዲርዎ ይርከብ ኣሎ።
ኣብ መንጐ ብስርዓት ህግደፍ ዝምራሕ ሰራዊት ኤርትራን ብብልጽግና ዝምራሕ ሰራዊት ኢትዮጵያን ከቢድ ምትፍናን ኣጋጢሙ ኣሎ።
“ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ኣትዩ እዩ” ዝብል ድማ፡ ነቲ ኲናት ክነሃሃሃርን ረስኒ ፕሮፓጋንዳ ሓፍ ክብልን ቀሲቡ ከም ዘሎ ተንተንቲ ይገልጹ።
“ኤርትራ ካብ ኣሉታውን እወንታውን ሸነኻት ትግራይ ተመክሮ ክትወስድ ኣሎዋ” ክብሉ ተንተንቲ ይገልጹ ኣሎዉ።
እዚ ኹናት እንተተጀሚሩ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ልዑል ተኽእሎ ስለ ዘሎዎ፡ ጥንቃቐን ዕቱብነትን ከም ዘድልይ ድማ የተሓሳስቡ።