ሰራዊት ሱዳን፡ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ስትራተጂካዊ ዓወት ኣመዝጊቡ
ሰራዊት ሱዳን ምስ መሻርኽቲ ሓይልታቱ ብምውዳድ፡ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ምዕራብ ዳርፉር እትርከብ ስትራተጂካዊት ከባቢ ብር ቀለከል (Bir Qelekel) ከም ዝተቖጻጸረ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እታ ሃገር ትማሊ ረቡዕ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ቲ. ኤር. ቲ ኣፍሪቃ 14 ጥቅምቲ ዝዘርግሖ ጸብጻብ የመልክት።
ኣመሓዳሪ ምዕራብ ዳርፉር ባህር ኣልዲን ኣዳም ካራማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሰራዊት ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ኣውራጃ ጀበል ሞን (Jebel Moon) “ዓቢ ወተሃደራዊ ምዕባለ” ከም ዘመዝገበ ገሊጹ።
እዚ ከባቢ ኣብ ጥቓ ጀበል ወርሒ ብምህላዋ፡ ንመንግስቲ ሱዳን ዓቢ ስትራተጂካዊ ትርጉም ዘለዎ እዩ።
ኣባላት ሰራዊት ሱዳን ነቲ ከባቢ ከም ዝተቆጻጸርዎ ዘርእዩ ምስልታት ኣብ መርበባት ሓበሬታ ዝተዘርገሐ ኮይኑ እቲ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት፡ ጸጥታ ናብ ንቡር ንምምላስን ልዑላውነት ሱዳን ንምዕቃብን ዝዓለመ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ብ5 ጥቅምቲ እውን ሰራዊት ሱዳንን መሻርኽቱን ንከባቢ ብር ሳሊባ ካብ ሓይልታት ወሃቢ ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ከም ዝመንዘዑ ይዝከር።
ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF)ን ብዝተወልዐ ውግእ፡ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ቅልውላው ትርከብ።
ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ንመብዛሕትኡ ክፍለ-ግዝኣታት ዳርፉር ክቆጻጸሩ እንከለዉ፡ ሰራዊት ሱዳን ድማ ንርእሰ-ከተማ ካርቱም ሓዊሱ ንመብዛሕትኡ ካልኦት 13 ግዝኣታት ይቆጻጸር።
እዚ ንሓደ ዓመትን መንፈቕን ዘቑጸረ ውግእ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንሞት ከዳርግ እንከሎ፡ ልዕሊ 13 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ይርከብ።