Moyale Humanitarian Response: Kenya Red Cross Steps Up Emergency Aid for  1,000 Households
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኬንያ፡ ኣብ ሞያሌ ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ብዝተኻየደ ውግእ ንዝተሃስዩ 1000 ስድራቤታት ሰብኣዊ ሓገዝ ይገብር ኣሎ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሲ.ጂ.ቲ.ኤን (CGTN)፡ እቲ ግጭት ብ22 ጥቅምቲ ዝጀመረ ኮይኑ፤ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ካብ ገዝኦም ክሃድሙ ኣገዲዱ እዩ። ንብዙሓት ተመዛበልቲ ድማ፡ መጽለሊ፣ መግቢ፣ ጽሩይ ማይን ሕክምናዊ ክንክንን ብህጹጽ የድልዮም ኣሎ።
ኣብ ጥቓ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት፡ ቶኽሲ ከምዝተፈጸመ ዝግለጽ ኮይኑ፤ ፖሊስ ኬንያ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብጌጋ ብጥይት ድሕሪ ምቕታላ፡ ኣብ ልዑል ጥንቃቐ ክጸንሑ ተገይሩ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።