ሱዳን፡ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ 11 ሚልዮን ቆልዑ ክታበት ፖሊዮ ንምሃብ ሃገራዊ ወፍሪ ክታበት ኣበጊሳ።

እቲ ብድጋፍ ውድብ ጥዕና ዓለምን ትካል ዩኒሴፍን ዝካየድ ወፍሪ፡ ኣብ ክልተ ምዕራፋት ክትግበር’ዩ።

እቲ ወፍሪ፡ ብሰንኪ ቀጻሊ ግጭትን ዝንኪ ዘሎ ሽፋን ክታበትን ክስዕብ ዝኽእል ለበዳ ፖሊዮ ንምክልኻል ዝዓለመ’ዩ።

እቲ ወፍሪ ካብ 26 ክሳዕ 29 ጥቅምቲ 2026፥ ን6 ሚልዮን ቆልዑ ክታበት ክህብ እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ምዕራፍ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ሕዳር ን5 ሚልዮን ቆልዑ ክታበት ንምሃብ ተመዲቡ ኣሎ። እቲ ወፍሪ ኣብ ኩለን 18 ግዝኣታት ሱዳን ክበጽሕ ትጽቢት ከም ዝተግብረ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪዩብን ዝዘርግሖ ሓበሬታ የመልክት።