ክቡራት ተኸታተልቲ መደበር ተለቪዥን ኤሪሳት፡ ንሕጂ ብዛዕባ በረኸት መንግስተኣብ ሕጽር ዝበለ ጽሑፍ ናባኹም ከነብሎ ኢና፥ ኣብ ዝቕጽል ድማ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወቱን ስነ-ጥበባዊ ጉዕዙኡን ኣመልኪትና ሓደ ትሕዝቶ መደብ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ምዃና ክንሕብር ንፈቱ።
በረኸት መንግስተኣብ ኣብ 1938 ኣብ ሓዘጋ- ኣውራጃ ሓማሴን-ኤርትራ ዝተወልደ፡ ፍሉጥ ደራፋይ፡ ደራሲ ደርፍታት፡ ዜማዊን ተጻዋታይ ክራርን እዩ።

ኣብ ንእስነቱ ኣብ ዓዱ ክራር ክጻወት ብምምሃር፥ ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዝካየዱ ሙዚቃዊ መደባት ይሳተፍ ምንባሩ ፈለጥቱን ታሪኹን ይሕብር።
ኣብ 1961፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ፡ ኣባል ኦርኬስትራ ቤት ትያትር ሃይለ ስላሴ (ሎሚ ብሔራዊ ትያትር) ኮይኑ ስነ-ጥበብ ሞያዊ ጉዕዞኡ ኣሃዱ ኢሉ ጀመረ። ኣብ 1973 ምስ ኤርትራውያን መሳርሕቱ ብምዃን ጉጅለ ሙዚቃ “መቓልሕ ጓይላ” መስረተ።
ኣብ መፋርቕ 1970ታት ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጸንቢሩ፡ ብረት ጥራይ ዘይኮነስ ክራሩን ደርፍታቱን እውን ከም መሳርሒ ቃልሲ ተጠቒሙ። ስርሓውቲ ሙዚቅኡ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ተሳትፎ ነይርዎ፣ ኣብ ሜዳን ኣብ ስደትን ዝነበሩ ኤርትራውያን ድማ ብደርፍታቱ የተባብዕ ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ።
ኣብ 1979 ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምኻድ፡ ኣብ ጅዳ ንኣስታት ዓሰርተ ክልተ ዓመታት ተቐመጠ። ኣብኡ ተዀነ ሙዚቃዊ ንጥፈታቱ ብምቕጻል፡ ደርፍታቱ ብካሴት ቀሪጹ ናብ ህዝቢ የብጽሕ ነበረ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1993 ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ሙዚቃዊ ስርሓውቱ ቀጸሎ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ልዕሊ 60 ዓመታት ዝዘርግሖ ስነ-ጥበባዊ ስርሓውቲ፡ ደርፍታትን ዜማታትን ኣብ ታሪኽ ሙዚቃ ኤርትራ ፍሉይ ቦታ ኣለዎ።
በረኸት መንግስተኣብ ብዕለት 12 ሕዳር 2025 ኣብ ኣስመራ ዓረፈ።
ሓድግታት በረኸት መንስግተኣብ ክንዮ እቶም ዝወለዶም ትሽዓተ ደቁ፡ ኣብ ታሪኽ ሙዚቃ ገዚፍ ኣሰር ገዲፉ ኣሎ። ድምጹ፥ ደርፍታቱን ክራሩን ግን ኣብ ዝኽሪ ኣብ እዝኒ ኣድነቕቱን ፈተውቱን ንሓዋሩ ክነብሩ ምዃኖም ብዙሕ ዘማትእ ኣይኰነን።
ንስኹም ከ ብዛዕባ በሃር ድምጻዊ በረኸተ መንግስተኣብ እንታይ ትዝክሩ፧ ኣየነይቲ ሙዚቃዊ ፍርያቱ ኣብ ህይወትኩም ምትሕሓዝ ኣሎዋ፧ ጽሓፉልና ኢኹም።






