እቶም ሰልፈኛታት ብቐንዱ፡ ምስ ሓይልታት ፍልስጤም ናይ እሱራት ምልውዋጥ ስምምዕ ብዝቐልጠፈ ክግበር፡ ሃገራዊ ምርጫ ድማ ኣቐዲሙ ክካየድ ዝጠልብ ኣርማታትን ጭርሖታትን ብምሓዝ ኣብ ካፕላን ዝተባህለ ኣደባባይ ቴል-ኣቪቭ ብምእካብ፡ እዚ ናይ እሱራት ምልውዋጥ ዕድል እንደገና ከይክሰር ናብ መንግስቲ እስራኤል ዝቐንዐ ሓያል ጠለብ ከም ዘቕረቡ ካብ ሜድያታት እስራኤል ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ሞሳድ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ዝኾነ፡ ዳዊት ባርኔዓ ብዛዕባ ምልውዋጥ እሱራትን ውዕል ምቁራጽ ቶኽስን ናብ ቀጠር ተጓዒዙ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር እታ ሃገር መሓመድ ቢን ዓብዱራሕማን ከም ዝተራኸበ ተሓቢሩ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ሞሳድ ካብ ቀጠር ድሕሪ ምምላሱ፡ ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዝርርብ ንምቕጻል ዝመጽእ ሰሙን ካልእ ተዛታዪ ጉጅለ ናብ ቀጠር ከም ዝልእኽ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ዝተፈላለዩ ጸብጻባት እስራኤል ኣስታት 120 እስራኤላውያን ብሓይልታት ፍልስጤም ጅሆ ተታሒዞም ከም ዘለው ይሕበር።

ኣብዚ ታሽዓይ ወርሑ ኣቝጺሩ ዝርከብ ኲናት ዞባ ቓዛ ዛጊት ልዕሊ 38 ሽሕ ፍልስጤማውያን ክቕተሉ እንከለው ኣስታት 87 ሽሕ ድማ ከም ዝቖሰሉ ካብ ማእከላት ጥዕና ዞባ ቓዛ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ብ ቤንያሚን ናታንያሁ ዝምራሕ መንግስቲ እስራኤል ብሰሪ ንእማመ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምንጻጉን ንውዕል ምቁራጽ ቶኽሲ ምእባዩን ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ብዓቢኡ ድማ ካብ እስራኤላውያንን ከቢድ ተቓውሞ ይገጥሞ ከም ዘሎ ኣናዶሉ ኣጄንሲ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።