Arab News | Trump weighs quick end to Iran war against letting conflict  'wither'

​ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ 23 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዋሽንግተን ነቲ ምስ ኢራን ዘሎ ኲናት ብቕልጡፍ ክትዛዝሞ ከም ትኽእል ብምሕባር፣ እንተኾነ ግን ቀልጢፍካ ምዝዛም ወይስ እቲ ግጭት ብገዛእ ርእሱ ቀስብቐስ ክሃድእ ምሕዳግ ይሓይሽ ኣብ ዝብል ውሳነ ከም ዘድልዮ ገሊጹ።
​”ኣብ ኣዝዩ ሕጽር ዝበለ እዋን ክንዛዝሞ ንኽእል ኢና” ዝበለ ትራምፕ፣ ከመይ ከምዝዛዘም ግን ግልጺ መብርሂ ከም ዘይሃበሉ እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ንሱ፡ ​ናብ ፍሎሪዳ ቅድሚ ምብጋሱ ኣብ ደገ ቤተ-መንግስቲ ዋይት ሃውስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ነዳዲ ብመጻብቦ ባሕሪ ሆርሙዝ ኣቢሉ ብሰላም ይሓልፍ ከምዘሎ ሓቢሩ።
​”ዝደለናዮ ኩሉ ንረክብ ኣለና” ክብል እውን ዝተዛረበ ትራምፕ፣ ነቲ ቅድም ክብል ዝሃቦ ቃል ብምድጋም፣ መጻብቦ ባሕሪ ሆርሙዝ “ምሉእ ብምሉእ ናትና እዩ፥ ከምኡ ገይርና ድማ ክንሕዞ ኢና” ኢሉ።