ናይ ሃገራት ማሊ፡ ቡርኪና ፋሶ ከምኡ'ውን ኒጀር
ወተሃደራውያን መራሕቲ ብዓርቢ 5 ሓምለ ኣብ ርእሲ
ከተማ ኒጀር ዝኾነት ኒያመይ ናይ መጀመርያ ሓባራዊ
ኣኼባ ብምክያድ፡ ንሰለስቲአን ሃገራት ሳሕል ዘጣምር ናይ
ኮንደረሽን ስርዓት ከም ዝገበሩ ተሓቢሩ።

እቶም ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ዝጨበጡ መራሕቲ
ሰለስተ ሃገራት ሳሕል፣ ኣብ ቀዳማይ ርክብ ከምዚ ዓይነት
ከቢድ ውሳኔ ምውሳኖም ንብዙሓት ዘገረመ ክስተት ኰይኑ
ኣሎ።

ናይ ቡርኪናፋሶ መራሒ ካፕቴን ኢብራሂም ትራኦረ ብወገኑ
"ውሳኔ ናይዚ ስሉሳዊ ጉባኤ ንሓበራዊ ቦታ ሃገራት ሳሕል
ኣዝዩ ዘገድስ ዓቢ ዝላ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሓቢርና
ንናጽነትና ከነጽንዖን ሕብረት ሃገራት ሳሕል መስሪተንኦ
ብዘለዋ ኮንፈደረሽን ቀጻልነት ዘለዎ ሞዕባለ ከነረጋግጽን
ኢና" ክብል ተዛሪቡ።

እዚ ብሰለሰተ ሃገራት ሳሕል ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ፡ እግረ
መገዱ ሃገራት ቡርኪና ፋሶ ኒጀር ከምኡ'ውን ማሊ ካብቲ
ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሃገራት ሕብረት
ኢኮዋስ(ECOWAS) ይፋነዋ ከም ዘለዋ ዝእምት ኮይኑ፡
ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ካብቲ ናይ
ምዕራብ ኣፍሪቃ ደንበ ኢኮዋስ ጠቕሊለን ከም ዝወጻ
ካብቶም መራሕቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ዝሓለፈ ዓመት ሓምለ፡ ጀነራል ዓብዱራሕማን ታያኒ፡ ነቲ
ፕረስደንት ኒጀር ኮይኑ ዝተመርጸ መሓመድ ባዙም ብዕልዋ
ኣልዩ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፣ እቲ ኣብ መንጎ ሃገራት
ሳሕልን ደምበ ኢኮዋስን ዝነበረ ርክብ ከም ዝላሕልሐ እዩ
ዝሕበር። ኣብ ጊዜኡ ደምበ ኢኮዋስ ኣብ ልዕሊ ኒጀር እገዳ
ከም ዘጽንዐን፣ ኣብ ጉዳይ ኒጀር ጣልቃ ኣትዩ ስጉምቲ
ንምውሳድ ከም ዝተደናደነን ዝዝከር እዩ።

መራሒ ቡርኪናፋሶ ወሲኹ፡ ሃገራት ሳሕል ዓቢ ባህርያዊ
ሃብትን ናይ ተፈጥሮ ጸጋታትን ዘለዎ ቦታ ከም ዝኾነ
ብምሕባር፡ ከምቲ ዝግብእ እንተደኣ ተመዝሚዙ ነቲ ኣብ
ሰለስቲአን ሃገራት ዝነብር ኣስታት 72 ሚልዮን ህዝቢ

ዝሓሸን ውሑስን መጻኢ ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ከም ዘሎ
ገሊጹ።

ብመሰረት እዚ ተበጺሑ ዘሎ ናይ ኮንፈደረሽን ስምምዕ፡
ሃገራት ሳሕል ኣብ መዳይ ቁጠባን ወተሃደራዊ ጸጥታን
ሓቢረን ክሰርሓ ምዃነን ትጽቢት ይግበር።