Berhe Desta

ቃልሲ ብርጌድ ንሓመዱ ቃልሲ ናይ’ቶም ኣዝዮም ዝተወጽዑን፥ ዝተኣስሩን ዝሞቱን ኮይኑ፡ ኩሉ ዓይነት መሰላት ተነፊጉዎም ከም ዝተበደሉ ተረዲእዎም፥ ንሓርነቶምን ንሓርነት ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራን ኢሎም ኣብ መላእ ዓለም ብሓንቲ መዓልቲ ዝተበገሱ ዉፍያት ተቓለስቲ እዮም፡፡ 

ቃልሶም፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ካብ 1961 ዓ.ም.  ቅድሚኡን ክካየድ ዝጸሐ ሰንሰለታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደኣ’ምበር ንበይኑ ካብ ባይታ ተላዒሉ ዝተጀመረ ኣገባብ ቃልሲ ኣይኮነን።

እቲ ን34 ዓመታት ዝኣኽል ክካየድ ዝጸንሐ ጥርናፈን ውህደትን ዝጎደሎ ኣገባብ ቃልሲ ክካየድ ጸኒሑ እዩ፡፡ 

እንተኾነ ግን እተን ውድባት፡ ኣይጠርነፋን ደኣ’ምበር፡ዓቕመን ዝፈቕዶ ክቃለሳ ጸኒሔን እየን፡፡ 

እቲ ናይ ተቓውሞ ቃልሲ ኤርትራ ብኸምኡ እናቀጸለ ከሎ፡ ብሰንኪ’ቲ ብ 3 ጥቅምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደሴት ላምፓዱሳ  ጣልያን ዘጋጠመ ብግምት 500 ዝአኽሉ፡ተሳፈርቲ  ብግምት 368 ዝኣኽሉ ኤርትራውያን ስለ ዝሃለቑ፡ እቲ ኣሰቃቒ ሓደጋ’ቲ ኣብ ልዕሊ መብዛሕትኦም ኣብ ዲያስፖራ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብዙሕ ቁጣዐ ፈጢሩስ ሕጂስ “ይኣክል” ዝብል ጭርሖ ጨሪሖም፥ኣብ መላእ ዓለም ብሓንሳብ ተላዒሎም እዮም።

ስለ’ዚ እቲ ሃንደበታዊ ሞት መንእሰያት፥ ዓበይትን-ናእሽቱን ደቂ-ኣንስትዮን፡ ደቂ-ተባዕትዮን ፡ኤርትራውያን ዘጥፍአ ሃንደበታዊ ህልቂት፡ሓዲሽ መድረኽ ቃልሲ ኤርትራ ፈጢሩ እዩ። 

እንተኾነ ግን እቲ ውድብ፡ ነቲ ዝጀመሮ ቅኑዕ ኣገባብ ቃልሲ ይኣክል ኣይቀጸሎን፡፡ 

ቃልሲ ብርጌድ ንሓመዱ፡ግን ነቲ ኣገባብ ቃልሲ ሓይሊ ዕማም ቀጺልዎ፡፡ግን ንሱ’ውን እንተኾነ ነቲ ቃልሲ፡ኣብ ኣጀማምርኡ መልክዕን ቅጥዕን ኣየትሓዞን፡፡ 

ኣብ ክንዲ ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ምእክልቲ መሪሕነት ዝኸውን፡ገሊኡ ብዘይምእኩልነት ጀሚሩዎ፡፡ ውጽኢቱ ከኣ ክሳዕ ሕጂ ክጥርነፍ ኣይከኣለን፡፡

ነቲ ቃልሲ እንተደኣ ብሓንቲ መሪሕነት (ሓይሊ ዕማም) ኣብ መላእ ዓለም ኣማእኪሉ ቀጺልዎ፡ ነቲ ቃልሲ ካብ ንፍስ-ወከፍ ተሳታፊት ከተማ ተላዒሎም ብጆግራፊካዊ ኣገባብ ኣብ ሓሙሽተ ክፋላት ከፊሎም፡ ማለት ሰሜን፡ ደቡብ፡ ምብራቕ፡ ምዕራብ፡ማእከላይ ሰፈር፡ ኢሎም ሰሊዖም፥ከምኡ ከኣ ብስነ-ህዝባዊ ኣገባብ ተኸቲልካ፡ ኣነቃቒሕካን ኣወሃሂድካን፡ ንኹሉ ደላዪ-ፍትሒ ናይ’ታ ከተማ ኣብ መኣዲ ቃልሲ ተሳትፎ፡፡ 

እዚ እቲ ኣዝዩ ኣድማዒ ኣገባብ ህዝባዊ ጥርናፌ ኮይኑ፡እቶም ቀንዲ ክልተ ዓላማ ናይ ብርጌድ ንሓመዱ ከኣ ፡ቀዳማይ ዕላማ ፡ ነቲ ኣዝዩ ጨካንን ገፋዒን፡ ቀታሊን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝበሃል ውልቀ መላኺ ንኤርትራ ብዘይ ሃገራዊ ቅዋምን፡ ብኣዋጅን፡ ብትእዛዝን ጥራይ ዝመርሕ ዘሎ ብሓይሊ፡ካብ ስልጣኑ ኣልጊስካ፡ ሕጋዊት፥ፍትሓዊት፡ደሞክራስያዊትን ቅዋማዊትን ሃገረ-ኤርትራ ንምቛም እዩ፡፡ 

እቲ ካልኣይ ዓላማ ከኣ፡ንኹሉ ደላዪ ፍትሒ ኣብ ሓንቲ ውድብ ጠርኒፍካ ሃገርካ ምድሓን እዩ፡፡

 ሕጂ ኣብ መንጎ ደለይቲ ፍትሒ ነጊሱ ዘሎ ዓብላሊ ስልቲ፡ ነንሕድሕድካ ምትህልላኽን፡ ምጭኽኻንን እዩ ኮይኑ ዘሎ፡፡

 ውጽኢቱ ከኣ እታ ሃገር ኣብ ገምገም ጥፍኣት ተንጠልጢላ እያ ዘላ፡፡ እቲ ጽቡቕነቱ ግን፡ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ብመንእሰያትን፡ብደቂ-ኣንስትዮን ዝተዓብለለ ቃልሲ ስለ ዝኾነ፡ ካብ መጀመርትኡ ጀሚሩ፡ካብ ህዝቢ ብዙሕ ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ፡፡ 

ካብ ሓቅነቱን ፍትሓውነቱን ዝተላዕለ ከኣ፡ ቃልሲ ብርጌድ ንሓመዱ ብዘይ ውልውል፡ ተወፋይነቱን ትብዓቱን ብግብሪ የርኢ ኣሎ፡፡

 እዚ ኣገባብ ቃልሲ’ዚ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ከተማ፡ ካብ ውልቀ-ሰብ ደረጃ ተበጊሱ፡ሓደ ሰብ፡ሓደ ድምጺ ብዝብል ኣገባብ ጥርናፈ ኣካይዱ፡ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝዓለመ፡ ብማእከልነት ሓይሊ ዕማም ተጠርኒፉ፡ንኹሉ ደላዪ ፍትሒ ኣብ’ቲ ሃገራዊ ጥርናፈ፡ ኣባል ናይ ምዃን ዝኽልክሎም ሕጊ’ውን የለን ፡፡ 

ምስ ናይ ካልኦት ደለይቲ ፍትሒ ውድባት ተጠርኒፍካ ምቅላስ’ውን ይከኣል እዩ፡፡

ሕጋውነት ንምልባሱ’ውን ዝመርሖን፡ዝኽተሎን ብቑዕ ዓንዲ-ሕጊ ነዲፎም ከኣ፡ ብዓንቀጻት’ቲ ዓንዲ ሕጊ ተመሪሖም፡ ካብ ነፍስ- ወከፍ ተሳታፊት ከተማ ና’ይታ ዝምልከታ ሃገር ዝብገስ ህዝባዊ ማዕበል የቑሙ፡፡ 

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኩለን ከተማታት ዑዉት ሃገራዊ ጥርናፈ ምስ ተረጋገጸ፡ዕዉት ሃገራዊ ጥርናፈ ክበሃል ከሎ ከኣ፡ ንኣብነት ከም ኣመሪካ ዝዓበየት ሃገር፡ብግምት ካብ 80 ክሳዕ 120 ከተማታት ክሳተፍኦ ከሎዋ ማለት እዩ፡፡ 

ካብ ሃገር ደርጃ ናብ ኣህጉራዊ ደርጃ ብጉባኤ መሰረት ንምስግጋር፡ ከኣ ወከልቲ ሃገራት ናይ ኩለን ተሳተፍቲ  ሃገራት ዓለም ኣብ ምእኩል ቦታ ብጉባኤ ደረጃ ይመራረጹ። 

ንጥርናፌን ቀንዲ ዘዓወቶ ስልቱ ከኣ፡ኩለን ሃገራት ዓለም ነንሕድሕደን ካብ መጀመርታ ጀሚረን እናተናበባን፡ እናተረዳድኣን እየን ንቕድሚት ክስጉማ ጸኒሔን።

 ካብ ሃገር ናብ ኣህጉራዊ ደረጃ ወይ ከኣ ናብ ሳልሳይ መድረኽ ጥርናፈ ንምስግጋር፡ነፍሲ- ወከፍ ተሳታፊት ሃገር ጠርናፈኣ ምስ ተረጋገጸ፡ ንኹለን ሃገራት ዓለም ኣብ ሓደ ምእኩል ቦታ ብጉባኤ ደርጃ ጠርኒፍካ፡ ኣሳቲፍካ ሓደ መሰጋገሪ ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ዲያስፖራ፡ ንኽልተ ዓመት ጥራይ ዘገልግል ይምረጽ፡፡

 እንተኾነ ግን ጉጅለ ብርጌድ ንሓመዱ ሓደ ዘይተወደበ ህዝቢ ፍጹም ጥርናፈ ክፈጥር ከምዘይኽእል ኣነጺሩ ስለ ዝፈልጥ፡ንኹለን ጥርኑፋት ውድባት ኤርትራ፡ነናተን ዝዀነ ቅዋም ሒዘን ክቐርባ ኣዋጅ የተሓላልፍ፡፡

 እቲ ናይ ኣምራጺት ሽማግለ ስራሕ ግን ብዙሕ ናይ ቴክኖሎጂ ክእለትን ብቕዓትን ስለ ዝሓትት፡ ንምርጫ ዝቐርቡ ሕጹያት ሽማግለ፡ ብዙሕ ፍልጠት ናይ ኣልጎሪዝምን ካሊእ ቴክኖሎጂካዊ ብቕዓትን ዘሎዎም ውልቀ-ሰባት ኣለሊኻ ናብ ምርጫ ምቕራብ ይግባእ። 

ብዝሒ ናይ’ተን ናብ ምርጫ ዝቐርባ ውድባት ኣዝዩ ምጡን ክኸውን ስለ ዝግባእ፡ ብዝሒተን ተሳተፍቲ ውድባት ንምቁጽጻር፡ ማለት፡ናብ ክልተ ወይ ሰለስተ ተወዳደርቲ ውድባት፡ ንምምጽአን፡በዳሂ ስለ ዝኸ’ውን፡ሓደ ቅድመ-ኩነት ቀመር (Formula) ክፍጠረሉ ይግባእ።

እቲ ቅድመ ኩነት ከኣ፡ንኣብነት ከም፡ሓንቲ ተሳታፊት ውድብ፡ካብ ሳላስ ሽሕ (30,000) ዘይውሕዱ ቁጽሪ ኣባላት ክህልውዋ ይግባእ ተባሂሉ ይቐርብ።

ንበይና ክትበቕዖ እንተዘይክኢላ ግን፡ ምስ’ተን ምሳኣ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ ፊሎዞፊ ዘሎወን፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ውድባት ወይ ከአ ከብኡ ዝበዝሓ’ውን ክትሓብር ትኽእል እያ፡፡ 

እንተኾነ ግን፡እቲ መስርሕ (ኣገባብ) ፍትሕን ደሞክራሲን መታን ክህልዎ፡ ብኣውራጃ፥ ብሃይማኖት ወይ ከኣ ብወገን ንምውዳብ ክልኩል እዩ፡፡ እቶም ናይ ግዝያዊት መንግስቲ ኣምረጽቲ ሽማግለ ምስ ተመርጹ ከኣ፡ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ’ውን እንተደኣ ምርጭኦም ኮይኑ፡ ከም’ተን ተመረጽቲ ውድባት ኮይኖም ክቐርቡ’ውን ይኽእሉ እዮም፡፡ 

እታ ብብዝሒ ድምጺ ህዝቢ ዝለዓለ ነጥቢ ዘምጽአት ውድብ ከኣ ንክልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ክትመርሕ ትምረጽ፡፡ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝርአ ዘይፍትሓዊን ዘይቅኑዕን ተርእዮ ከኣ፡ ኣብ ቃልስን መስዋእትን ከይተሳተፍካ፡ ኣነ ክመርሕ ኣሎኒ ምባል እዩ፡፡ 

ካሊእ ክበርህ ዘሎዎ ሓቂ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንብዙሕ ዓመታት ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ መስዋእትን ስንክልናን ዝኸፈለ ህዝቢ እዩ፡፡

ስለ’ዚ ነቲ ቃልሲ መዕለቢ ክንገብረሉ ይግባእ፡፡እቲ ቃልሲ መልክዕን ቅጥዕን ስለ ዝሰኣነ፡ እቲ ዘይንቡር ከም ንቡር፡ ተወሲዱ እቲ ንቡር ከኣ ከም ዘይንቡር ይውሰድ ኣሎ፡፡

 እቶም ደለይቲ ፍትሒ በሃልቲ ከኣ እቲ ሃገራዊ ጽንተትን ሃገራዊ ህልቂትን ከይዓጀቦም ፡ነንሕድሕዶም ይተሃላለኹን፡ ይጨኻኸኑን ኣሎዉ፡፡ 

ስለ’ዚ እቲ ንድሕሪት ዝወስደና ዘሎ ሽግራት ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ዘይኮነስ፡ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ (ደለይቲ ፍትሒ) ዘሎ ትርጉም ዝስአነ ጽልኢ፡ህልኽን ቅርሕንትን ክጠፍእ ኣሎዎ ፡፡ንሱ ከምኡ እናሃለወ ከሎ፡ኣብ’ዛ ግዜ’ዚኣ ኣብ መንጎ ውልቀ-መላኺ ኢሳይስ ኣፈወርቅን ፡ኣብ መንጎ’ቲ  ዘይእመንን ጨካንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ፡ህልኻዊ ውግእ፡ክውልዑ ይቀራረቡ ስለ ዘሎዉ፡ ንተግባሮምን፡ ዓላምኦምን ኮኒንና፡ንመላእ ህዝቢ ዓለም ተቓውሞና ክንገልጽ ይግበኣና፡፡ 

ህዝቢ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ውግእ ዝበሃል ኣየድልዮን፡ ዝኣኽሎ ተዳምዩ እዩ።ድሕሪ ሕጂ ዝውላዕ ውግእ ንወዲ ድኻን ወዲ ስዉእን ንምጥፋእ ደኣ’ምበር ፍታሕ ከምጽእ ኣይኽእልን፡፡ ናይ ግርጭት ፍታሕ ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢልካ ብምርድዳእን ምምይያጥን ጥራሕ እዩ ክመጽእ ዝኽእል፡፡ 

ኤርትራ፡ ሃገርና ካብ’ዚ ዘንጸላልዋ ዘሎ ናይ ውግእ ሃዋህው፡ ንምድሓን ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ዲያስፖራ ክትተክል ትኽእል እያ፡፡ 

ከምኡ ንኽንገብር ግን፡ ኩለን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብእኩብ ደረጃ ይኹን ብውዱብ ደረጃ ዝቃለሳ ዘሎዋ ደለይቲ ፍትሒ፥ ውድባት፡ ብጀካ ጉጅለ ብርጌድ ንሓመዱ፡ እታ ካብ ዕለት ሓደ ጀሚራ ጠርናፊትን ኣወሃሃዲትን ፡ሓቛፊትን ጉጅለ፡ኮይና ተገልግል ዘላ ጉጅለ፡ ነቲ ቅዱስ ዓላምኣ ክሳዕ መፈጸምትኡ ትቐጽሎ፡ እተን ዝተረፋ ደለይቲ ፍትሒ ውድባት ግን ሃገር ንምድሓን፡ መሰጋገሪ ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ዲያስፖራ ከቚማ ኣሎወን፡፡

 

በርሀ ደስታ