ኣሜሪካ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወጥሪ ከህድኣ ተማሕጺና
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ከም ዝዘተየ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓቢሩ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ትማሊ 14 ጥቅምቲ 2026፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሩቢዮ ነቲ ወጥሪ ንምህዳእ ብኹሎም ወገናት ዝግበር ጻዕሪ ከም ዝድግፍ ገሊጹ።
እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ውሽጣውን ግዳማውን ዘይምርድዳእ ዝፍታሕ ብዘተን ዲፕሎማስያዊ ጽምዶን ምዃኑ’ውን ኣስሚሩ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ፡ እቲ ወጥሪ ንክፍታሕን ተወሳኺ ግጭት ንምክልኻልን፡ ናብ’ቲ ኣብ 2018 ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተሰማማዓሉ መቓን ሰላም ምምላስ ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሱ።
ሩብዮ ብተወሳኺ፡ ኩለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጎረባብተን ከኽብራን ስግረ-ዶባዊ ወራር ካብ ምፍጻም ክቑጠባን ከምዘለወን ኣስሚሩ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ወጥሪ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ስክፍታ ከም ዝፈጠረሉ ዘመልከተ መግለጺ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ እቲ ዞባ ካብዚ ንላዕሊ ግጭት ክጻወር ከም ዘይክእል ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ዘሎ ወጥሪ ንምፍታሕ ዘተ ክካየድ ጸዊዑ።